ፖሊሲ ምስጢር
ዝሓለፈ ምሕዳስ: 2026-11-16
መእተዊ
ምስጢርኩም ንዓና ኣገዳሲ እዩ። እዚ ገጽ Jentra Tech ሓበሬታኹም ከመይ ከም ዝእክብ፣ ከም ዝጥቀመሉን ከም ዝሕልዎን የረድእ።
እንታይ ሓበሬታ ንእክብ
ሕሳብ ምስ ዝኸፍቱ ወይ ኣብ ዌብሳይት ምስ ዝኣትዉ እዞም ሓበሬታታት ኣብ ዳታቤዝና ይዕቀቡ:
- ስምኩምን ኢሜይልኩምን
- ፓስዎርድኩም: ብዝተሓለወ ኣገባብ ተሓሺሉ (hash) ይዕቀብ፣ ዓሌ ፓስዎርድ ኣይዕቀብን ኣይንርእዮን
- ኣድሚናት ዝገብርዎም ተግባራት መዝገብ (ንድሕነት)
ኩኪስ (Cookies)
ሎጊን ዝኣትዉ ተጠቃሚታት ንምፍላጥ ሓደ ኩኪ (jt_session) ንጥቀም። ንሓደ ሰሙን ይጸንሕ፣ ንመእተዊ ጥራይ ዘድሊ እዩ፣ ንመከታተሊ ወይ ንማስታወቕያ ኣይጥቀምን።
ኣብ ገለ ጽሑፋት ካብ YouTube ዝተኣተዉ ቪድዮታት ኣለዉ። ቪድዮ ምስ ተጸወተ YouTube (Google) ናይ ባዕሉ ኩኪስ ክጥቀም ይኽእል፣ ንሱ ብናይ YouTube ናይ ምስጢር መምርሒ ይመሓደር።
ሕጂ ዝኾነ ናይ ተጠቃሚ መከታተሊ (analytics) ወይ ማስታወቕያ ኣይንጥቀምን።
ሓበሬታ ንምንታይ ንጥቀመሉ
- ሕሳብኩም ንምምሕዳርን ንኣተዋትኩም ንምፍቃድን
- ዝተኸፈልኩምሉ ኮርሰ ንምኽፋትን ዕድመኡ ንምቁጽጻርን
- ንሕቶታትኩም ንምምላስ
- ዌብሳይት ንምሕያሽን ድሕነት ንምሕላውን
ምስ ካልኦት ምክፋል
ሓበሬታኹም ኣንሸጦን ኣንከራዩን። ኣገልግሎት ንምሃብ ምስ ዝተኣመኑ ኣቕራብቲ (ንኣብነት ዳታቤዝ፣ ሆስቲንግ፣ ክፍሊት) ጥራይ ሓበሬታ ክካፈል ይኽእል።
ክፍሊት ምስ ተወሰኸ እዚ ኣንቀጽ ብዝርዝር ይዘምን።
ድሕነት
- ፓስዎርድ ብምሕሻል (hash) ይዕቀብ
- ሎጊን ኩኪ ካብ ብሮውዘር ስክሪፕት ዝተሓለወ (httpOnly)
- ብዙሕ ጌጋ ፓስዎርድ ፈተናታት ሕሳብ ንግዚኡ የዕጽው
- ዝተሓለወ ርክብ (HTTPS)
መሰላትኩም
ሓበሬታኹም ክትርእዩ፣ ክትቅይሩ ወይ ሕሳብኩም ክድምሰስ ትኽእሉ። ንምሕታት ኣብዚ ኢሜይል ጽሓፉና: mebrahtomhailay17@gmail.com
ለውጥታት
እዚ ፖሊሲ ክቕየር ይኽእል። ሓደ ዓቢ ለውጢ ምስ ኣጋጠመ ኣብዚ ገጽ ንሕብር።